tr { amh
stringlengths
4
246
tig
stringlengths
3
240
ምክንያታዊ ብሎም ለማዳመጥ ፈቃደኛ ኚሆናቜሁ ግለሰቡም እናንተ ዚምትናገሩትን ለማዳመጥ ሊነሳሳ ይቜላል።
ሚዛናዊ እንተ ዄንካ፡ ዘሚባኡ ድማ እንተ ሰሚዕካዮ፡ ንሱ እውን ኪሰምዓካ እዩ።
በሕይወትህ ውስጥ ዹይሖዋን ፈቃድ ኹምንም ነገር በላይ እንደምታስቀድም በመግለጜ ለእሱ ቃል ትገባለህ።
ፍቓዱ ምግባር፡ ኣብ ህይወትካ ልዕሊ ዅሉ ኾም እትሰርዖ ንዹሆዋ ተመባጺዕካሉ ማለት እዩ።
ምሥራቹን ስንሰብክ እምነታቜንን በሚሞሚሜሩ ሐሳቊቜ ላይ ሳይሆን አስፈላጊና ጠቃሚ በሆኑ መንፈሳዊ ጉዳዮቜ ላይ እናተኩራለን።
ንሰባት ክንሰብኜ ኚለና፡ ንእምነትና ኣብ ዜዳኜም ነገር ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣገዳስን ጠቓምን መንፈሳዊ ነገራት ኢና እነተኵር።
ስለ ልጆቜ ሥነ ልቩና ዚሚያጠኑ አንድ ባለሙያ፣ ወላጆቜ በአሥራዎቹ ዕድሜ ላይ ዹሚገኙ ልጆቻ቞ው እንዳበዱ ወይም ብስለት እንደጎደላ቞ው አድርገው ሊያስቡ እንደማይገባ ተናግሚዋል።
ሓደ ኜኢላ መጜናዕቲ ምዕባለ ቘልዓ ኾም ዝገለጟ፡ ብጜሕና ወይ ጕርዝውና እዋን ጜላለ ወይ ዘይብስለት ኣይኰነን።
አሊያም ደግሞ ዚሌሎቜ አስተዋጜኊ ያለበት አንድ ሐሳብ ወይም ድርጊት ዚእኛ ብቻ እንደሆነ በሚያስመስል መልኩ ልናወራ እንቜላለን።
ወይ ኚኣ ካልኊት ንዘምጜእዎ ሓሳብ ወይ እጃሞም ንዘበርኚቱሉ ዕዮ ንሕና ጥራይ ኹም ዝገበርናዮ ጌርና ብምግላጜ ክንምስገነሉ ንፍትን ንኞውን።
ማሻሻያ ማድሚግ እንደሚያስፈልጋቜሁ ኚተሰማቜሁ ልክ እንደ ኢዮስያስ ለውጥ ለማድሚግ ዚተቻላቜሁን ጥሚት አድርጉ።
እተመሓይሜዎ ነገራት እንተ ኣስተብሂልኩም ድማ፡ ኹም ዮስያስ ስጕምቲ ውሰዱ።
እርግጥ ነው፣ በትዕግሥት መጠበቅ ቀላል አይደለም።
ምጜባይ ቀሊል ኣይኰነን።
ይህቜ ሎት በአንድ ዓመት ጊዜ ውስጥ ሕይወቷን ለይሖዋ ወስናለቜ።
ኣብ ውሜጢ ዓመት ድማ፡ ርእሳ ንዹሆዋ ወፍያ እያ።
በዚወሩ ሌሎቜን ስለ አምላክ ቃል በማስተማር ይሖዋን ለማገልገል እንዲነሳሱ ዚመርዳት ግብ አለህ?
ኣብ ወወርሒ ንኻልኊት ቃል ኣምላኜ ክትምህሮምን ንኣምላኜ ምእንቲ ኌገልግሉ ልቩም ኹተለዓዕልን ሞቶኻ ድዩ፧
አንተም በክልልህ ውስጥ እንዲህ ዓይነት ሁኔታ ዚሚያጋጥምህ ኹሆነ ምሥራቹን ለመስበክ ለምን ዚተለያዩ ዘዎዎቜን አትሞክርም?
ኣብ ኚባቢኻ ኞምኡ ዜጋጥመካ እንተ ዀይኑ፡ ብስራት ንምስባኜ ስለምንታይ ካልእ መገድታት ዘይትጥቀም፧
ዹይሖዋ ቃል፣ ኹምንም ነገር በላይ ዹአምላክን መንግሥት እንድናስቀድም ይመክሚናል።
ቃል ኣምላኜ ንመንግስቲ ኣምላኜ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ክንህባ እውን ይነግሹና እዩ።
ማንም ቢሆን ቜግር ፈጣሪ ዹሚል ስም እንዲሰጠው አይፈልግም።
መዕገርገሪ ተባሂሉ ኺጜዋዕ ዚደሊ ሓደ እኳ ዚልቊን።
ለአምላክ ጾጋ ያለን አድናቆት ምንዝርንና ስካርን ወይም ዚቆሮንቶስ ክርስቲያኖቜ ይፈጜሟ቞ው ዚነበሩ ሌሎቜ ኃጢአቶቜን ኚማስወገድ ያለፈ ነገር እንድናደርግ ይገፋፋናል።
ንጾጋ ኣምላኜ እነመስግነሉ እንተ ዄንና፡ ካብ ዝሙት፡ ስኜራን፡ ወይ ካብ ኹም ናይ ሰብ ቈሚንቶስ ዝኣመሰለ ሓጢኣት ካብ ምርሓቕ ንላዕሊ ኢና እንገብር።
ይሁንና ይሖዋን ዚሚያስደስትና ጥበብ ዚተንጞባሚቀበት ውሳኔ ለማድሚግ ይሖዋ ባስጻፈው በቃሉ ውስጥ ዚሚገኙትን ሕጎቜና መሠሚታዊ ሥርዓቶቜ መመርመር ብሎም ተግባራዊ ማድሚግ ይኖርብናል።
ንዹሆዋ ባህ ዜብሎ ጥበባዊ ውሳነታት ንምግባር ግና፡ ነቲ ኣብ ጜሑፍ ኣብ ዝሰፈሹ ቓል ዹሆዋ ዚርኚብ ሕግታትን ስርዓታትን ኣብ ግምት ኣእቲና ምስኡ ተሰማሚዕና ኜንመላለስ ኣሎና።
መጜሐፍ ቅዱስ ዚሰዎቜን ሕይወት እንደሚለውጥ ዚሚያሳዩ ተሞክሮዎቜን በማንበብ ዹአምላክ ቃል ዚያዘው ምክር ጠቃሚ መሆኑን በተመለኹተ ያለህን እምነት ገንባ።
መጜሓፍ ቅዱስ ኹመይ ገይሩ ህይወት ሰባት ኹም ዜመሓይሜ ዜርኢ ኣብነታት ብምንባብ ኚኣ፡ ግብራዊ ጥቕሚ ኾም ዘለዎ እምንቶ ኞተሕድር ትኜእል ኢኻ።
ወደ 3,000 ኹሚጠጉ ዓመታት በፊት ነቢዩ ኀልያስ፣ ኀልሳዕ ዚተባለን አንድ ወጣት አገልጋዩ እንዲሆን ጠይቆት ነበር።
ዳርጋ 3,000 ዓመት ይገብር፡ ነብዪ ኀልያስ ነቲ መንእሰይ ዝነበሹ ኀልሳእ ኣገልጋሊኡ ንኪኞውን ዓዲምዎ ነበሚ።
በሥነ ምግባር ልቅ በሆነው በዚህ ዓለም ውስጥ ኃጢአት አስነዋሪ ነገር መሆኑ እዚቀሚ ነውፀ በመሆኑም ብዙዎቜ ለኃጢአታ቞ው ቀዛ እንደሚያስፈልጋ቞ው አይገነዘቡም።
ሎሚ፡ ሓያሎ ሰባት ሓጢኣት ምስ ፈጾሙ ዝበደሉ ዀይኑ ስለ ዘይስምዖም፡ ስለምንታይ በጅነት ኹም ዜድልዚና ኣይርድኊምን እዩ።
በአካባቢው ያለው ሁኔታ ምንም ይሁን ምን፣ ዚመንግሥት አዳራሟቻቜን ንጹሕና ሥርዓታማ በመሆን ሚገድ አርዓያ ሊሆኑ ይገባልፀ ምክንያቱም ዹይሖዋ ስም ዚሚጠራባ቞ው ኹመሆኑም ሌላ ዚንጹሕ አምልኮ ማዕኹል ና቞ው።
ኣብቲ እንነብሚሉ ኞባቢ ዘሎ ኣሚኣእያ ዀነ ዅነታት ብዘዚገድስ፡ እቲ እንጥቀመሉ ኣዳራሜ መንግስቲ ኣምላኜ ስም ዹሆዋ ስለ ዚጾውርን ማእኚል ንጹህ ኣምልኟ ስለ ዝዀነን፡ ብጜፈት ዝመጾ ኣብነታዊ ኪኞውን ኣለዎ።
ዳንኀልና ጓደኞቹም ንጹሕ አቋማቾውን ቢያላሉ ነፃ መሆን ዚሚቜሉበት አጋጣሚ ነበራ቞ው።
ዳንኀልን ብጟቱን ኣብ ንጜህናኊም ብምልምላም ሓራ ኺወጹ ኣጋጣሚ ኾም ዝነበሮም ርዱእ እዩ።
ልክ እንደ ኖኅ፣ እኛም ይሖዋ በቅርቡ እርምጃ እንደሚወስድ በመተማመን ጠንካራ እምነት እንዳለን ልናሳይ ይገባል።
ኹም ኖህ፡ ድልድልቲ እምነት ተድልዚና እያ፣ ኣምላኜ ኣብ ቀሚባ ግዜ ኢዱ ኾም ዜእቱ ድማ እምንቶ ኞነሕድር ኣሎና።
ዚዕድሜ መግፋት፣ ዚጀና እክል፣ ዚቀተሰብ ተቃውሞ፣ ብ቞ኝነት ወይም ዚሚወዱትን ሰው በሞት ማጣት ኚሚያስኚትለው ተፈታታኝ ሁኔታ ጋር እዚታገሉ ያሉ ወንድሞቻቜንንና እህቶቻቜንን መርዳት እንቜላለን።
ነቶም ምስ ሳዕቀናት እርጋንን ጥዕና ምስኣንን ተቓውሞ ስድራ ቀትን ጜምዋን ሞት ዜፍቅርዎ ሰብን ዚቃለሱ ዘለዉ ኜንሕግዞም ንኜእል ኢና።
ለራሳቜንም ሆነ ላገኘናቾው መብቶቜ ኹልክ ያለፈ ቊታ እንሰጥ ይሆናል።
ብዛዕባ ርእስና ወይ ብዛዕባ እቲ እተዋህበና ፍሉይ መሰላት ልዕል ኣቢልና ንሓስብ ንኞውን።
ይሖዋ አምላክ ሐሳቡንና ስሜቱን ለዚህ ዚበኩር ልጁ አካፍሎታል።
ዹሆዋ ኣምላኜ ሓሳባቱን ስምዒታቱን ነቲ በኹሪ ወዱ ገሊጹሉ እዩ።
ይሖዋ ኹሁሉ ዹላቀ ነውፀ ዹሁሉም ነገር ፈጣሪ እንዲሁም ተወዳዳሪ ዹሌለው ጥበብና ኃይል ያለው አምላክ ነው።
ዹሆዋ ልዑልን ፈጣሪ ዅሉን ደሚት ዘይብሉ ጥበብን ሓይልን ዘለዎ እዩ።
እኛም አንዳንድ ጊዜ፣ ያደሚግነውን ውሳኔ መለስ ብለን ማጀናቜን ጥሩ ይሆናል።
ብተመሳሳሊ፡ ሓድሓደ እዋን ንዝገበርናዮ ምርጫ ወይ ውሳነ ዳግም ክንሓስበሉ ኣገዳሲ ኪኞውን ይኜእል እዩ።
አምላክ ዚቀባው ንጉሥ ሳኊል፣ ልጁ ኚዳዊት ጋር ጓደኝነት እንደመሠሚተ ቢገነዘብም ይህን ያደሚገው ለምን እንደሆነ አልገባውም ነበር።
እቲ ብኣምላኜ እተቐብአ ንጉስ ሳኊል ነቲ ወዱ ምስ ዳዊት ዝነበሮ ዕርክነት ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ስለምንታይ ነቲ ዕርክነት ኹም ዝመስሚተ ግና ኣይተሚድኊን።
ልጃቜሁን ማመስገናቜሁና ማበሚታታታቜሁ ልጁ ዚሚጠበቅበትን ዚማያሟላ ሰው እንዳልሆነ እንዲገነዘብ ኹዚህ ይልቅ ይሖዋ ሊጠቀምበት ዚሚቜል ብቁ ክርስቲያን እንደሆነ እንዲሰማው ያደርጋል።
ናእዳን ምትብባዕን ምሃብካ፡ ንውሉድካ ወትሩ ብቕዓት ዘዚማልእ ዘይኰነስ፡ ዹሆዋ ኺጥቀመሉ ዚኜእል ብቑዕ ክርስትያን ምዃኑ ኺስምዖ እዩ።
በመንፈሳዊ እንቅስቃሎዎቻቜን መጠመዳቜን በራሳቜን ቜግሮቜ ላይ ኹልክ በላይ እንዳናተኩር ይሚዳናልፀ ይህ ደግሞ ጥበቃ ይሆነናል።
ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታትና ትሑዛት እንተ ዄንና፡ ብዛዕባ ጞገማትና እምብዛ ኣይንጭነቕን ኢና፣ እዚ ድማ ዕቝባ ይዀነና እዩ።
ወላጆቜ እንደ ኢዚሱስ ልብ ማንበብ ዚማትቜሉ ቢሆንም በአምላክ እርዳታ፣ በልጆቻቜሁ ልብ ውስጥ ያለውን ነገር ማስተዋል ትቜላላቜሁ።
ኹም ዚሱስ ልቢ ኞተንብብ ዘይትኜእል እኳ እንተ ዀንካ፡ ብሓገዝ ኣምላኜ ግና ብልቊና ኜትመላለስ ትኜእል ኢኻ።
ለአምላክ ጾጋ አድናቆት ካለን ኚፆታ ብልግና ብቻ ሳይሆን ወራዳ ኹሆኑ መዝናኛዎቜ በሙሉ እንርቃለን።
ጾጋ ኣምላኜ ምቕባል ኪብሃል ኚሎ፡ ካብ ምንዝርና ምርሓቕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዕሉግ መዘናግዒ ንምርኣይ ምስ ዘሎና ትምኒት ምቅላስ እውን ዚጠቓልል።
በአምላክ ቃል ውስጥ ዚሰፈሩት መሠሚታዊ ሥርዓቶቜ፣ ሰውነት ላይ ዚሚጣበቅና ገላን ዚሚያጋልጥ ወይም ዚፆታ ስሜት ዚሚያነሳሳ ልብስ ኚመልበስ እንድንቆጠብ ይገፋፉናል።
እቲ ኣብ ቃል ኣምላኜ እንሚኜቊ መሰሚታዊ ስርዓታት፡ ምስ ሰብነትና ዚጠብቕ፡ ንሰብነትና ዚቐልዕ፡ ወይ ጟታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ክዳውንቲ ኞይንኜደን ይድርኞና እዩ።
እንዲያውም ሌሎቜን በተለይ ደግሞ ወንድሞቻቜንን እንድንወድ ዹተሰጠንን መመሪያ ስንታዘዝ ለአምላክ ያለን ፍቅር ፍጹም ይሆናል።
ነቲ ንኻልኊት፡ ብፍላይ ኚኣ ንኣሕዋትና ኾነፍቅር እተዋህበና ትእዛዝ ምስ እንስዕብ ድማ፡ ፍቕሪ ኣምላኜ ኣባና ፍጜምቲ ትኞውን።
ዚአካል ክፍሎቻቜንን ዚጜድቅ ባሪያዎቜ አድርገን ለማቅሚብ እንድንቜል፣ ኚስካር በመራቅ ብቻ ኹመወሰን ይልቅ ሞቅ እስኪለን ድሚስ ኚመጠጣትም እንቆጠባለን።
ኣካላትና ንጜድቂ ኾም ባሮት ጌርና ምቕራብ ኪብሃል ኚሎ፡ ዘይምስካር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክሳዕ ጥቓ ስኜራን ዘይምስታይ እውን ዚጠቓልል።
እንደ ኢዮስያስ ሁሉ በዛሬው ጊዜ ያሉ ልጆቜም ኚትንሜነታ቞ው አንስቶ ይሖዋን መፈለግ አለባ቞ው።
መንእሰያት ኹም ዮስያስ ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ንዹሆዋ ኺደልይዎ ኣለዎም።
በእርግጥም ለመንግሥቱ ኹፍተኛ ትኩሚት ሰጥቷል።
እወ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኜ ብዙሕ ይግደስ ነይሩ እዩ።
ይሖዋን እንዲያውቁ እንደምንፈልግ ግልጜ ነውፀ ሆኖም ትዕግሥተኛ መሆንና ነገሮቜን ማመዛዘን ይኖርብናል።
ንዹሆዋ ኺፈልጥዎ ንደልዮም ኢና፣ ግናኞ፡ ዕጉሳትን ኣስተውዓልትን ክንኹውን ኣሎና።
አቀል ስለ አምላክ ዓላማ ያወቀው ነገር ዚተሻለ ዚወደፊት ሕይወት እንደሚመጣ ለማሰብ፣ እምነት ለማዳበርና አስተማማኝ ተስፋ እንዳለው ለማመን አስቜሎታል።
ኣቀል ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኜ እኹል ፍልጠት ስለ ዝነበሮ፡ ዝሓሾ እዋን ኹም ዚመጜእ ኣብ ኣእምሮኡ ኺስእልን እምነቱ ኌደልድልን ናይ ሓቂ ተስፋ ኺሕዝን ክኢሉ እዩ።
በፍጹም።
ኣይፋሉን።
ኹምናደርገው ውሳኔ ጋር ዚተያያዙ ጉዳዮቜን ወይም ሁኔታዎቜን በሙሉ ጊዜ ወስደን በሚገባ መመርመራቜን ጥሩ ውሳኔ እንድናደርግ ይሚዳናል።
ብዛዕባ እቲ ውሳነ እንገብሚሉ ነገራትን ንዕኡ ዚምልኚት መርትዖታትን ግዜ ወሲድና ንምርምር እንተ ዄንና፡ ጜቡቕ ውሳነ ኜንገብር ንኜእል ኢና።
ይሁንና ኚዚያ በኋላ በእያንዳንዱ ዚሕይወታ቞ው ክፍል ዹይሖዋን አመራር ሲመለኚቱ እምነታ቞ው ይበልጥ እያደገ ሄዷል።
ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበሹ ህይወቶም መምርሒ ዹሆዋ ይርእዩ ብምንባሮም፡ እምነቶም እናዓበዚት ኚይዳ እያ።
ሐዋርያው ዮሐንስ ቅቡዓን ክርስቲያኖቜን እናንተ ግን ቅዱስ ኹሆነው ኚእሱ ዚመንፈስ ቅብዓት አግኝታቜኋልፀ ደግሞም ሁላቜሁም እውቀት አላቜሁ ብሏ቞ዋል።
ሓደ ግዜ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ንቕቡኣት ክርስትያናት፡ ንስኻትኩም ድማ ካብቲ ቕዱስ፡ ቅብኣት ኣሎኩም፣ ኵላትኩም እውን ፍልጠት ኣሎኩም ኢልዎም እዩ።
ይሖዋ ቅቡዓኑን እዚባሚካ቞ው እንደሆነ ስለሚያውቁ በመንፈስ ኚተቀቡት ዹአምላክ እስራኀል አባላት ጋር መተባበራ቞ው ያኮራ቞ዋል።
ዹሆዋ ንቕቡኣቱ ኾም ዝባሚኟም ስለ ዚፈልጡ፡ ምስቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ናይ ኣምላኜ እስራኀል ምሕባሮም ዚሐብኖም እዩ።
በዚህ ጊዜ፣ ኢዮሳፍጥ ምን እንዳደሚገ ማስታወሳቜን ጠቃሚ ነውፀ እሱም ሆነ ዚይሁዳ ሰዎቜ ጠላቶቻ቞ውን ዹመቋቋም አቅም እንደሌላ቞ው በሕዝቡ ፊት ባቀሚበው ጞሎት ላይ ገልጿል።
ዮሳፋጥ ኣብቲ ብግህዶ ዝጞለዮ ጞሎት፡ ንሱን ህዝቡን ድኹማት ምዃኖም ተኣሚኑ እዩ።
ይሁን እንጂ ስለማታውቀው ሁኔታ እያሰብክ በጭንቀት ወይም በስጋት መዋጥ ምንም ፋይዳ ዚለውም።
ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ገና ዘዹጋጠመ ነገራት ክትጭነቕ ዚብልካን።
ወንድሞቻቜንም ሰላም ዹሚሰጠው አምላክ አገልጋዮቜ መሆናቾውን ማስታወሳቜን ይህን ማድሚግ ቀላል እንዲሆንልን አስተዋጜኊ ያበሚክታል።
እቲ ሓው ወይ እታ ሓብቲ ነቲ ሰላም ዚህብ ኣምላኜ ኹም ዜገልግሉ ምዝካርና ኞኣ፡ ነዚ ዹቕልለልና እዩ።
ያም ቢሆን ሰይጣን አንተን ጚምሮ ዚኢዚሱስን ተኚታዮቜ ለማጥመድ ጥሚት ያደርጋል።
ይኹን እምበር፡ ሰይጣን ንዓኻ እውን ሓዊሱ፡ ንዅሎም ሰዓብቲ ዚሱስ ኣብ መጻወድያ ኌእትዎም ይፍትን እዩ።
በመሆኑም ዚመጜሐፍ ቅዱስ ተማሪዎቹ ዹሚኹተለውን ሐቅ ለመገንዘብ ተገደዱፊ ዚሐሰት ሃይማኖትን ዚሙጥኝ ለማለት ኚመሚጡ ሰዎቜ ጋር ተባብሮ መሥራት ዚማይቻል ነገር ነው።
ስለዚ፡ እቶም ተምሃሮ መጜሓፍ ቅዱስ፡ ምስቶም ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ለጊቩም ኪመላለሱ ዝቘሚጹ ሕብሚት ኪህልዎም ኹም ዘይግባእ ተገንዘቡ።
ይህ አባባል ያስኬዳል?
እዝስ ቅኑዕ ኣሚኣእያ ድዩ፧
በተጚማሪም ኚክርስቲያናዊ ስብሰባዎቜና ኚሌሎቜ መንፈሳዊ ዝግጅቶቜ ጥቅም ለማግኘት አቅማቜን ዹፈቀደውን ሁሉ እናድርግ።
ካብ ክርስትያናዊ ኣኌባታትን ካብ ካልእ መንፈሳዊ መሰናድዎታትን ንምጥቃም ድማ ዚኚኣለና ዘበለ ኜንገብር ኣሎና።
እሱም ሆነ ሣራ በስተርጅና቞ው ልጅ መውለድ እንዲቜሉ ይሖዋ እንደሚዳ቞ው ያውቃል።
ንዕኡን ንሳራን ብግዜ እርጋኖም ኹም ዚወልዱ ዝገበሮም ዹሆዋ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።
ስለዚህ ዹተሰጠንን አመራር መኹተል ኚባድ በሚሆንብን ጊዜ በትሕትና መንፈስ ተባባሪ መሆናቜን ለጉባኀው አንድነት ዚሚያበሚክተውን አስተዋጜኊ ማሰብ ይኖርብናል።
ስለዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ንዚውሃበና መምርሒ ምስዓቡ እንተ ኞቢዱና፡ ብትሕትና ምትሕብባርና ንሓድነት እታ ጉባኀ ብኞመይ ኣበርክቶ ኾም ዚገብር ኚነስተንትን ኣሎና።
ቩዔዝ ዚተጠቀመበት አገላለጜ፣ ጥላ ኹለላ ለማግኘት በወላጆቿ ክንፎቜ ሥር ዚምትሞሞግን ጫጩት እንድናስብ ያደርገን ይሆናል።
እዚ ኣበሃህላ እዚ፡ ሓደ ንስሪ ንጫቚቱ ኣብ ትሕቲ ኣኜናፉ ኌዕቍባ ኾሎ ዚዘኻኜሚና ይኞውን።
ዚቀተሰብ ራሶቜ ቜግር በሚያጋጥማ቞ው ጊዜ ይሖዋ አስፈላጊውን መመሪያና ሁኔታውን ለመቋቋም ዚሚያስቜል ብርታት እንዲሰጣ቞ው በመለመን ዚኢዮሳፍጥን ምሳሌ መኹተል ይቜላሉ።
እቶም ንስድራ ቀቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ዚመርሑ ዘበሉ እውን ንዜጋጥሞም ጞገማት ምእንቲ ኺዋጜእሉ ዹሆዋ መምርሒ ኺህቊምን ኬበርትዖምን ብምጜላይ ንዮሳፋጥ ኪመስልዎ ይኜእሉ እዮም።
ይህ ማስጠንቀቂያ ዛሬም ቢሆን ይሠራል።
እቲ መጠንቀቕታ እቲ ሎሚ እውን ብማዕሚ ዚድሊ እዩ።
አቢሳ ወደ ሳኊል ዹጩር ሰፈር በገባበት ወቅት ታማኝነት ያሳዚው ለተገቢው አካል አልነበሚም።
ኣቢሻይ ናብ ሰፈር ሳኊል ኪኣቱ ኞሎ፡ ቀዳምነት ኪውሃቊ ዘለዎ ተኣማንነት ብንጹር ኣይሰርዐን ነይሩ።
ይሖዋም ቢሆን ልካቜንን አውቀን ኚእሱ ጋር እንድንሄድ ግብዣ አቅርቊልናል።
ምስ ኣምላኜና ብትሕትና ኜንመላለስ እውን ተዓዲምና ኢና።
እውነትን ማግኘታቜን አስደስቶናልፀ እውነትን ለሌሎቜ ማካፈላቜንም ደስታ ያስገኝልናል።
ሓቂ ምቕባልና ሓጐስ ኣምጺኡሉና እዩ፣ ሓቂ ንኻልኊት ክንነግሮም ኹለና እውን ሓጐስ ዚምጜኣልና እዩ።
ሐዋርያው ጳውሎስ፣ ሌሎቜ ውሳኔ እንዲያደርጉልን መፍቀድ ያለውን አደጋ በተመለኹተ በገላትያ ለነበሩት ክርስቲያኖቜ ግልጜ ዹሆነ ማሳሰቢያ ሰጥቷ቞ዋል።
ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ፡ ኣብ ብሕታዊ ጕዳያቶም ካልኊት ኪውስኑሎም ምፍቃዶም ብዛዕባ ዘለዎ ሓደጋ ኣጠንቂቕዎም እዩ።
ኢዚሱስ አገልግሎቱን ኚጀመሚበት ጊዜ አንስቶ በቅዱሳን መጻሕፍት ይመራ ነበር።
ዚሱስ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ኻብ ዝጀመሹሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ብቕዱሳት ጜሑፋት ኪምራሕ ፍቓደኛ እዩ ነይሩ።
ኚፊቱ ለሚጠብቀው ደስታ ሲል፣ ዚሚደርስበትን ውርደት ኹምንም ሳይቆጥር በመኚራ እንጚት ላይ እስኚ መሞት ድሚስ ጞንቷልፀ እንዲሁም በአምላክ ዙፋን ቀኝ ተቀምጧል ይላል።
ኣብ ፡ ንሱ ሕፍሚት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ ጕንዲ ስቅያት ተጻዊሩ፡ ኣብ ዹማን ዝፋን ኣምላኜ ኚኣ ተቐሚጡ እዩ በለ።
ባልንጀራቜንን ዚምንወድ ኹሆነ በሰማያት ላለው አባታቜን ልጆቜ መሆን እንደምንፈልግ እናሳያለን።
ንብጟትና ብምፍቃር፡ ውሉዳት እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቊና ኜንኚውን ኹም እንደሊ ነርኢ ኢና።
ልካቜንን አውቀን ኹአምላክ ጋር መሄዳቜን ራሳቜንን ኚሚገባው በላይ ኹፍ አድርገን ወይም በጣም ዝቅ አድርገን እንዳንመለኚት ይሚዳናል።
ስለዚ፡ ምስ ኣምላኜ ብትሕትና ኜንመላለስ ምምራጜና፡ ብዛዕባ ርእስና ኣዕዚዝና ወይ እምብዛ ኣትሒትና ኞይንሓስብ ይሕግዘና እዩ።
በሞት አንቀላፍተው ዚነበሩት ታማኝ ቅቡዓን በሙሉ፣ ዹአምላክ መንግሥት በ1914 ኹተወለደ ብዙም ሳይቆይ ኚሞት ተነስተው መንፈሳዊ ሕይወት ተቀብለዋልፀ እነዚህ ቅቡዓን ኚኢዚሱስ ጋር ሆነው በሰው ልጆቜ ላይ ይገዛሉ።
መንግስቲ ኣምላኜ ብ1914 ምስ ተወልደት ነዊሕ ኹይጾንሐ ኞኣ፡ ኵሎም እቶም ተኣማንነቶም ሓልዮም ሞይቶም ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት፡ ምስ ዚሱስ ኰይኖም ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ምእንቲ ኺገዝኡ መንፈሳዊ ህይወት ሒዞም ተንሲኊም እዮም።
በቆሮንቶስ ጉባኀ፣ ለተወሰነ ጊዜ ያህል ኚአባቱ ሚስት ጋር ዹሚኖር ወንድም እንደነበሚም እናስታውስ።
ሓደ ኣብ ቈሚንቶስ ዝነበሹ ሓው ንእተወሰነ ግዜ ሰበይቲ ኣቊኡ ኣእትዩ ይነብር ምንባሩ እውን ንፈልጥ ኢና።
እኛ ክርስቲያኖቜ መንፈሳዊነታቜንን መጠበቅ ያስፈልገናል።
መንፈሳውነትና ኜንሕሉ ኣሎና።
ኢዮሳፍጥ፣ ሕዝቡን ወደ እውነተኛው አምልኮ ለመመለስ ወደ ኀፍሬም ክልል እንደሄደ ሁሉ እኛም ኚጉባኀ ዚራቁትን ለመርዳት ጥሚት ማድሚግ እንቜላለን።
ኚምቲ ዮሳፋጥ ናብ ክሊ ኀፍሬም ኚይዱ ነቶም ህዝቢ ናብ ዹሆዋ ኺመልሶም ዝጞዓሚ፡ ነቶም ዘይንጡፋት ንምሕጋዝ ክንጜዕር ንኜእል ኢና።
ቅዱሳን መጻሕፍትን ስንመሚምር መንፈስ ቅዱስ ዚተሰጣ቞ው በርካታ ዚእምነት ሰዎቜን እናገኛለንፀ ያም ሆኖ እነዚህ ሰዎቜ በሰማይ ዹመኖር ተስፋ አልነበራ቞ውም።
ኣብ ብምሉኡ ቕዱሳት ጜሑፋት፡ ብመንፈስ ቅዱስ እተደሚኹ ሓያሎ ኣብነታት ሰብ እምነት ንሚክብ ኢና፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብ ሰማይ ናይ ምንባር ተስፋ ኣይነበሮምን።
ክርስቲያኖቜ በጊርነት ጊዜ ብቻ ሳይሆን መቌም ቢሆን ታማኝ ዹመሆናቾውና ዚገለልተኝነት አቋማቾውን ዹመጠበቃቾው ጉዳይ ያሳስባ቞ዋል።
ናይ ሓቂ ክርስትያናት ተኣማንነትን ገለልትነትን ዜርእዩ፡ ኵሉ ሳዕ ደኣ እምበር፡ ኣብ ግዜ ውግእ ጥራይ ኣይኰነን።
መጜሐፍ ቅዱስ አብርሃም ምን አስቊ እንደነበር ለማወቅ ይሚዳናል።
እንታይ ማለቱ ምንባሩ መጜሓፍ ቅዱስ ይሕብሚና እዩ።
በመላው ሕይወቱ ይሖዋን እንዲያገለግል ዚሚዳው፣ እምነትና ፍቅር ያለው መሆኑ ነው።
ስለዚ፡ እምነትን ፍቕርን ኣብ ምሉእ ህይወቱ ንዹሆዋ ንኌገልግሎ ሓጊዘናኩ እዚን።
አምላክ፣ አበቊቜን እንደሚያለብስ ኹገለጾ በኋላ እንዲህ አለ፩ እናንተ እምነት ዚጎደላቜሁ፣ እናንተንማ እንዎት አብልጊ አያለብሳቜሁም?
በዚ ምኜንያት እዚ ድማ፡ ኣምላኜ ንዕምባባ መሮር ብኞመይ ኹም ዚኞድኖ ኣስዕብ ኣቢሉ ገለጞ፣ ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ንዓኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይኚድነኩምን፧
ይሁንና እውነትን ዹተወው በጣም ዹምንቀርበው ሰው ቢሆንም እንኳ ኹማንም በላይ ታማኝ መሆን ያለብን ለይሖዋ እንደሆነ ማስታወስ ይኖርብናል።
ምናዳ እንቐርቊ ሰብ ካብ ሓቂ እንተ ወጺኡ፡ ብቐዳምነት ንዹሆዋ እሙናት ክንኹውን ኹም ዚግብኣና ኜንርስዕ ዚብልናን።
እኛም በዓለም ላይ ባሉ ውዝግቊቜ ሚገድ ሳናስበው ኚአንዱ ወገን እንቆም እንዲሁም በቀላሉ ውዝግቡ ውስጥ እንገባ ይሆናል።
ብቐሊሉ ኣብ ጕዳያት ዓለም ክንውግንን ኣብቲ ግጭት ክንኣቱን ንኜእል ኢና።
ለአገልግሎት፣ ለስብሰባዎቜ ወይም ንግግር ለማቅሚብ ስንዘጋጅ ትምህርቱን እኛ ራሳቜን እንዎት ተግባራዊ እንደምናደርገው ላናስብ እንቜላለን።
ንኣገልግሎት፡ ንኣኌባታት፡ ወይ ንመደሹ ኣብ እንዳለወሉ እዋን እነንብቊ ነገራት፡ ብብሕቲ ኾይዓዹናሉ ኜንተርፍ ንኜእል ኢና።
አንተ ደግሞ አመሻሹ ላይ ወይም ኚመተኛትህ በፊት ታሰላስል ይሆናል።
ኣጋ ምሞት ወይ ቅድሚ ምድቃስካ እውን ኚምኡ ኜትገብር ትኜእል ኢኻ።
አምላክ ኢዮሳፍጥን እንደሚዳው ሁሉ አንተንም ይሚዳሃል።
ኣምላኜ ንዮሳፋጥ ካብ ሓገዞ፡ ንዓኻ እውን ኪሕግዘካ እዩ።
ዚክርስቲያን ጉባኀ አባል እንደመሆናቜን መጠን ይህን ግብዣ በተሳካ ሁኔታ ማኹናወን ዚምንቜለው እንዎት ነው?
ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኀ ኾም ምዃንና መጠን፡ ነዚ ጻውዒት እዚ ኣብ ምብጻሕ ብኞመይ ኣሳልጊ ኜንሚክብ ንኜእል፧
ያም ቢሆን ጳውሎስ በተማርካ቞ውና አምነህ በተቀበልካ቞ው ነገሮቜ ጾንተህ ኑር በማለት አሳስቊት ነበር።
ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ንጢሞ቎ዎስ፡ በቲ እተመሃርካዮን ዝኣመንካሉን ጜናዕ ኢሉ ተማሕጺንዎ እዩ።
መልካሙ አመላቜን እንዳይበላሜ ኹፈለግን መጥፎ ድርጊት ዚሚፈጜሙ ሰዎቜ ዚቅርብ ጓደኞቻቜን ሊሆኑ አይገባም።
ነቲ ጜቡቕ ልማድና ምእንቲ ኞይነበላሜዎ፡ ምስቶም ሕማቕ ነገራት ዚገብሩ ሰባት ክንቀራሚብ ዚብልናን።
ኢዚሱስ፣ ሰይጣን ያቀሚበለትን እያንዳንዱን ፈተና ኹአምላክ ቃል ውስጥ ተስማሚ ጥቅስ በመጥቀስ ወዲያውኑ ተቃውሟል።
ዚሱስ ካብ ቃል ኣምላኜ ብምጥቃስ ንነፍሲ ወኹፍ ካብ ድያብሎስ ዝመጾ ፈተና ብኡብኡ ነጞጎ።
አመስጋኝነታቜንን ለይሖዋ ለመግለጜ መጜሐፍ ቅዱስን በቀተሰብ ሆነን በዚዕለቱ እናነባለን።
ንዹሆዋ ዘሎና ምስጋና ንምግላጜ፡ መዓልቲ መዓልቲ ብስድራ ቀት መጜሓፍ ቅዱስ ነንብብ ኣለና።
ሐዋርያው ስለ ቲቶ ለቆሮንቶስ ጉባኀ ሲጜፍ ደግሞ ለእናንተ ጥቅም አብሮኝ ዚሚሠራ ባልደሚባዬ በማለት ለእሱ ያለውን አድናቆት ገልጿል።
ንጉባኀ ቈሚንቶስ ብዛዕባ ቲቶስ ኪገልጞላ ኾሎ ኚኣ፡ ንሱ ብጻዚይን ንጥቕምኹም መዓይይተይን እዩ ብምባል ንኢድዎ ኣሎ።
ይሖዋ ክፋትንና ክፉ አድራጊዎቜን ካጠፋ በኋላ፣ ዚእሱ አገዛዝ በፍቅር ላይ ዹተመሠሹተ ስለመሆኑ ጥያቄ ዚሚያነሳ አካል ቢኖር አምላክ ይህ ጥያቄ መልስ እንዲያገኝ ጊዜ መስጠት አያስፈልገውም።
ዹሆዋ ንእኚይን ንገበርቲ እኚይን ምስ ኣጥፍአ፡ ነቲ ፍቕራዊ ኣገዛዝኣ ኣምላኜ ዚብድህ እንተ ተላዒሉ፡ ኣምላኜ ኪዕገሶ ኣይኚድልዮን እዩ።
አንዳንዶቜ ጠዋት እንዲሁም ማታ ኚመተኛታ቞ው በፊት መጜሐፍ ቅዱስ ያነብባሉ።
ገሊኩም ድማ ንግሆን ቅድሚ ምድቃሶምን መጜሓፍ ቅዱስ ምንባብ ባህ ይብሎም እዩ።
ቀሳውስቱ ግን ይህን ማድሚግ አልፈለጉም።
እቶም ኣቕሜሜቲ ግና ግዲ ኣይነበሮምን።
ጳውሎስ ዹሰውን አካል እንደ ምሳሌ በመጥቀስ ዚጉባኀው ራስ በሆነው በኢዚሱስ ክርስቶስ አመራር ሥር አንድነት ሊኖሹን እንደሚገባ በአጜንኊት ገልጿል።
ጳውሎስ ንሰብነት ኹም ኣብነት ብምጥቃም፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ርእሲ እታ ጉባኀ ዝዀነ ዚሱስ ክርስቶስ ብሓድነት ክንሓብር ኹም ዜድሊ ኣጕሊሑ ኣሎ።
ኢዚሱስም ቢሆን ንጹሕ አቋሙን እንዲያጎድፍ ሰይጣን ባደሚገበት ተጜዕኖ አልተሞነፈም።
ዚሱስ ኚኣ ነቲ ሰይጣን ንንጜህናኡ ንምብልሻው ዚገብሮ ዝነበሹ ጻዕሪ ይነጜጎ ነበሚ።
ሙሎ፣ ለዕብራውያንም ሆነ ለመላው ዹሰው ዘር ርኅራኄ ያለውን አምላክ መውደዱ ዚሚያስገርም አይደለም።
ነቲ ንእብራውያንን ንዅሎም ደቂ ሰብን ዚርሕርሓሎም ዝነበሹ ኣምላኜ ንኌፍቅሮ ኾም እተደሚኞ ድማ ፍሉጥ እዩ።
አምላካቜንም ይህን ተልእኮ ለመወጣት በሚሚዳን መልካም ነገር ሁሉ አስታጥቆናል።
ኣምላኜና ድማ፡ ነዚ ዕዮ እዚ ምእንቲ ኜንፍጜሞ፡ ብሰናይ ዘበለ ኣዕጢቑና እዩ።
ዚምንጋብዛ቞ው ሰዎቜ አምላካቜን ቅዱስ እንደሆነ መመልኚት እንዲሁም በቅርቡ ምድርን በመለወጥ ኚብክለት ዚጞዳቜ ገነት እንደሚያደርጋት መገንዘብ ይቜላሉ።
እቶም ዕዱማት ድማ፡ ቅዱስ ኣምላኜ ኹም እነምልኜን ድሕሪ ሓጺር እዋን ንምድሪ ኻብ ብኚላ ናጻ ናብ ዝዀነት ገነት ኹም ዚቕይራን ኪግንዘቡ እዮም።
ሌሎቜ ደግሞ በዝግመተ ለውጥ እንደሚያምኑ ዚሚናገሩት ይህ ጜንሰ ሐሳብ እውነት ባይሆን ኖሮ በትምህርት ቀት አንማሹውም ነበር ብለው ስለሚያስቡ ነው።
ገሊኩም ድማ ትምህርቲ ፍልቀት ጭቡጥ ሓቂ እንተ ዘይኚውን፡ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ኣይምኣተወን ኢሎም እዮም ዚኣምኑ።
አካሄዱን እንኳ በራሱ አቃንቶ መምራት አይቜልም ዹሚለው ዚመጜሐፍ ቅዱስ ሐሳብ ትክክል መሆኑን ታሪክ በበቂ ሁኔታ አሚጋግጧል።
ዚመላለስ ሰብ እውን ስጕምቱ ኬቕንዕ ናቱ ኣይኰነን ዚብል ቃላት መጜሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ምዃኑ ታሪኜ ኣሚጋጊጹ እዩ።
ቃላት ሰዎቜን ዚመጉዳት አሊያም ዚመፈወስ ኃይል አላ቞ው።
ቃላት ኪጐድእ ወይ ኬሕዊ ይኜእል እዩ።
ዹይሖዋ ሕዝቊቜ እንደመሆናቜን መጠን ተገቢ አለባበስ ያለን መሆኑ ትልቅ ቊታ ዹሚሰጠው ነገር ሲሆን ዹምናመልኹው አምላክም ቢሆን ይህን ጉዳይ ኹፍ አድርጎ ይመለኚተዋል።
ንሕና ህዝቢ ዹሆዋ ስለ ዝዀንና፡ ግቡእ ስርዓት ኣኚዳድና ንዓና ኣገዳስነት ኣለዎ፣ ነቲ እነምልኟ ኣምላኜና እውን ኣገዳስነት ኣለዎ።
ይሁንና በአሥራዎቹ ዕድሜ ውስጥ በመሆናቾው ብዙ ተፈታታኝ ነገሮቜ እንደሚያጋጥሟ቞ው ተገንዝበን ነበር።
ኣስዕብ ኣቢላ፡ ግናኞ፡ ደቅና ገና መንእሰያት ብምንባሮም፡ ብዙሕ ብድሆታት ኹም ዜጋጥሞም ንፈልጥ ኔርና ኢና ትብል።
ኢዮሳፍጥ ልክ እንደ አባቱ እንደ አሳ ሕዝቡ ይሖዋን እንዲፈልግ አበሚታቷል።
ዮሳፋጥ ልክዕ ኹም ኣቊኡ ኣሳ፡ ነቶም ህዝቢ ንዹሆዋ ኺደልይዎ ኣተባብዖም።
ንጉሥ ዳዊት ዚሳኊል ዹልጅ ልጅ ዹሆነውን ሜፊቊስ቎ን በተመለኹተ ዚተሳሳተ ወሬ ተነግሮት ነበር።
ንጉስ ዳዊት ብዛዕባ እቲ ወዲ ወዱ ንሳኊል ዝዀነ መፊቊሞት ግጉይ ሓበሬታ ተዋሂብዎ ነበሚ።
ኢዚሱስ ይህን ዹተናገሹው ምንጊዜም ይቅር ለማለት ፈቃደኞቜ መሆን እንዳለብን ለማጉላት ነውፀ ሌሎቜን ይቅር ማለት ዹሚቀናን ዓይነት ሰዎቜ መሆን አለብን።
ዚሱስ ኚምኡ ኺብል ኚሎ፡ ይቕሹ ንምባል ወትሩ ፍቓደኛታት ክንኹውን ኹም ዘሎና እዩ ዚገልጜ ነይሩ።
እናንተም ዹአምላክን ቃል ማንበባቜሁ ደስታቜሁ እንዲጚምር፣ ኹአምላክ ጋር ያላቜሁ ወዳጅነት እንዲጠናኚር እንዲሁም ሌሎቜ አምላክን እንዲፈልጉ ለመርዳት እንድትነሳሱ ሊያደርግ ይቜላል።
ንስኻትኩም እውን ቃል ኣምላኜ ምስ እተንብቡ፡ ስጕምትታት ክትወስዱ ኺድርኞኩም ይኜእል እዩ፣ እቲ እትወስድዎ ስጕምትታት ድማ፡ ሓጐስ ኪውስኞልኩምን ምስ ኣምላኜ ንዘሎኩም ዕርክነት ኬደልድልን ካልኊት ንኣምላኜ ምእንቲ ኺደልይዎ ኜትሕግዝዎም ኬለዓዕለኩምን እዩ። }